Fana: At a Speed of Life!

ብ550 ሚሊየን ዶላር ዝትግበር ስራሕቲ ትግበራ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ብ550 ሚሊየን ዶላር ዝትግበር ካልኣይ ምዕራፍ ስራሕቲ ትግበራ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፕሮጀክት “ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ንኩለመዳይ ለውጢ ከተማታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዕሊ ተጀሚሩ ዘሎ።

መተሓባበሪ ልምዓታዊ ሴፍቲኔትን ስራሕቲ ፕሮጀክትን ከተማታት ኣይተ መኮንን ያኢ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመረፁ 83 ከተማታት ተግባራዊ ክግበር ኢዩ።

ብባንኪ ዓለምን መንግስቲ ኢትዮጵያን 550 ሚሊየን ዶላር በጀት ዝትግብረን 816 ሺሕን 500 ዜጋታት ብቐጥታን ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ብምስታፍ ተረባሕቲ ከምዝገብር ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልማትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ከድር ጁሃር፣ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ሃርቢ ቡህ፣ ሚኒስትር ዲኤታታት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ፣ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ፣ተረባሕቲ ሴፍቲኔት ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.