ብ3 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ዝህነፅ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ኣብዚ በጀት ዓመት ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብ3 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ዝህነፅ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ኣብዚ በጀት ዓመት ከምዝዛዘም ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ባሌ ወረዳታት ደሎመናን ሃረና ቡሉቅን ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት÷ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ 11 ሺሕ 40 ሄክታር መሬት ከልምዕ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ህንፀቱ ዝተጀመረ እቲ ፕሮጀክት÷ ንልዕሊ 22 ሺሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ክገብር ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡
እቲ ፕሮጀክት 3 ሜትሮ ብራኸን 50 ሜትሮ ንውሓትን ዘለዎ መጥለፊ ውሕጅን 30 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መጋቢ መትረብ ማይን ከምኡ እውን ካልኦት ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት መስኖ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።
ብ3 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ዝህነፅ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ኣብዚ በጀት ዓመት ንምዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com