Fana: At a Speed of Life!

ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ቅልጡፍ ሰዓት ዓለም እዚ ዓመት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዊድን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ወናኒ ክብረ ወሰን ዓለም ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ቅልጡፍ ሰዓት እዚ ዓመት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ።

ብመሰረት እዚ ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 8 ደቒቕ 1 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው እንትዕወት÷ ሳሙኤል ፍሬው 8 ደቒቕ 5 ሰከንድን 78 ማይክሮ ሰከንድን በምእታው ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡

ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ጌትነት ዋለ ራብዓይ ከምኡ እውን ሳሙኤል ዱጉና መበል 11 ደረጃ ብነሓዝ ውድድሮም ከምዝዛዘሙ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኣመልኪቱ፡፡

ብካሊእ መዳይ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም 3 ደቒቕ 59 ሰከንድን 84 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ራብዐይቲ ከምዝሓዘት ተገሊፁ፡፡

ብ800 ሜትሮ ውድድር ደቂኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ንግስት ጌታቸው 1 ደቒቕ 59 ሰከንድን 77 ማይክሮ ሰከንድ ብምእታው ራብዓይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድራ ዛዚማ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.