Fana: At a Speed of Life!

ብ250 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ መፍረዪ ፋብሪካ እታወታት ህንፀት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብ250 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ መፍረዪ ፋብሪካ እታወታት ህንፀት ተመሪቑ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ሰዓት ልዕሊ 220 ቶን መፍረዪ እታወታት ህንፀት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ እውን ኣብቲ ዓውዲ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ብምቕራብ፤ እቲ ምምሕዳር ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጦም፡፡

ሎሚ ዝተመረቐ ፋብሪካ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.