Fana: At a Speed of Life!

ብ150 ሚሊየን ዶላር ህንፀት ምስፍሕፋሕ እናተሳለጠ ዝርከብ ደረቕ ወደብ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንኽዛዘም መምርሒ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ደረቅ ወደብ ሞጆ ኣገልግሎት ሎጀስቲክ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንኽዛዘም ብልዑል ቅልጣፈ ንኽሳለጥ መምርሒ ስራሕ ተዋሂቡ።

ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ከይዲ ህንፀት ብዝምልከት ንሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ገለጻ ገይሮም፡፡

ብመሰረት እዚ ልዕሊ 4 ሚኢቲ ሜትሪክ ቶን ምቑራፅ ሓመድ፣ ልዕሊ 30 ሺሕ ምልኢት ሓመድ፣ ንኮንቴነራት መራገፊ ዝኸውን ምንፃፍ መሬት ንምስራሕ ዘገልግል ኮንክሪት ናይ ምፍራይ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ፡፡

ብዝተትሓዘሉ ቅልጣፈ ክቕፅል እንተኽኢሉ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 50 ሚታዊ ምብፃሕ ከምዝከኣል ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስ ኣብ ዝሃበኦ መምርሒ ስራሕ÷ እቲ ፕሮጀክት እናዓበየ ንዝመፅ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ንምቅልጣፍ ዝህልዎ ልዑል ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝተጀመረ ቅልጣፈ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡

ቀረብ ሲሚንቶ ከይህሉ ምስ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ብቕርበት ክስራሕ ኢዩ ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.