Fana: At a Speed of Life!

ብ130 ሚሊየን ዶላር ዝተሃነፀ ማእኸል ሓበሬታ “ሬድ ፎክስ” ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብ130 ሚሊየን ዶላር ዝተሃነፀ ማእኸል ሓበሬታን ዋና ቤት ዕዮን “ሬድ ፎክስ ሶሉሽንስ ግሩፕ” ኣብ ፓርክ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ብዕሊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ኣገልግሎት÷ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ሓዊሱ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሬድ ፎክስ ሶሉሽንስ ግሩፕኣይ ኣዳነ ካሳዬ ከምኡ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰራሕተኛታታን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተሳሊጡ፡፡

ኣይተ ሳንዶካን ኣብቲ እዋን ከምዝሓበሩዎ÷ እቲ ኩባኒያ ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ኢንቨስትመንት ጋህዲ ምግባሩ ኣብቲ ዓውዲ እኹል ፍልጠት፣ ልምዲን መፅናዕቲን ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግፅ ኢዩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ጥራሕ ዘይኮነስ ዘላቒ መፍትሒ ሒዙ ዝመፅአ ምዃኑ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዕላማ “ሬድፎክስ” ብዝተማለአ መልክዑ ህንፀት ማእኸል ሓበሬታ ኣብቲ ዓውዲ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ምድንፋዕ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሀበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.