Fana: At a Speed of Life!

ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኤርሚያስ ግርማን ሳሙኤል ተፈራን ናብ ፍርቂፍፃመ ሓሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኤርሚያስ ግርማን ሳሙኤል ተፈራን ናብ ፍርቂፍፃመ ሓሊፎም።

ኣብ ምድብ ክልተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኤርሚያስ ግርማ 3 ደቒቕን 35 ሴኮንድን ምስ 21 ማይክሮ ሴኮንድ ብምእታው ውድድሩ ቀዳማጠይ ብምውፃእ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፉ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ድማ 3 ደቒቕ 37 ሴኮንድን 34 ማይክሮ ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሻድሻይ ደረጃ ብመሓዝ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ምድብ ሓደ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ መበል 14 ደረጃ ብውፅኡ ካብቲ መፃረዪ ክሓልፍ ኣይከኣለን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.