ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃመ ሓሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃ ሓሊፈን፡፡
ኣብ ቻይና ናንጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡
ኣብ ምድብ 1 ዝተሳተፈት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ4 ደቒቕ 11 ሰከንድን 87 ማይክሮ ሰከንድ 1ይቲ ብምውፃእ ንፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡
ኣብ ምድብ 3 ዝተሳተፈት ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ድማ ብ4 ደቒቕ 12 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድ ብተመሳሳሊ 1ይቲ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡