Fana: At a Speed of Life!

ብፌስቡክ ዝተፋለጡ መናእሰይ ብልዕሊ 246 ሺሕ ብር ዝዓደግዎ ተምሪ  ንመከላከያ ሰራዊት ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፤ 13 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ብፌስቡክ ዝተፋለጡ መናእሰይ ብልዕሊ 246 ሺሕ ብር ዝዓደግዎ ተምሪ  ንመከላከያ ሰራዊት ድጋፍ ገይሮም።

እቲ ድጋፍ ዝተረከቡ ኣካቢ ኣተኣኻኻቢ ኮሚቴ ድጋፍ ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጀኔራል አስረስ አያሌው÷ አቶም መናእሰይ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ንሰናይ ተግባር ብምጥቃም ንዝገበርዎ ድጋፍ ኣመስጊኖም።

ዝኾነ ይኹን ኣክቲቢስት ሃገር ንምድሓን ኣብ ዝግበር ወፍሪ ተመሳሳሊ ተግባር ንክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ዝፍፅሞም ግፍዕታት ብተወሳኺ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም ብዝንዛሕ ቤላብሎ ልዑል ፅዕንቶ ስነ ልቦና ኣብ ማሕበረሰብ ይፍጠር ከምዘሎ ገሊፆም።

ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዓዲ ውሽጢን ደገን ንዘሎ ማሕበረሰብ ሓቃዊ ሓበሬታ ብምብፃሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ብቅድስት አባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.