Fana: At a Speed of Life!

ብፋናን ብቴሌቪዥን ጣቢያ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤልን ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ስልጠና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ብቴሌቪዥን ጣቢያ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤልን ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ስልጠና ተጀሚሩ፡፡

እቲ ስልጠና ብፍላይ ኣብ ሰናድኣ ዶክመንተሪ ፊልም ንሰብ ሞያ ካሜራ፣ ፕሮዳክሽን ዳይሬክተርን ዶክመንተሪን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝወሃብ ኢዩ።

“ፋና ገዛና ኢዩ” ዝበሉ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣለልኝ ኣድማሱ፥ ቅድሚ ሕዚ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንምርኢት ዘቕረቦም ስራሕቲ ብምዝኽኻር ናእደኦም ገሊፆመ።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንምጥንኻር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግደኦም፥ እቲ ስልጠና ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ስልጠና እውን ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢን መንግስቲ ምስ መንግስቲን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ብፅሬትን ብበዝሒን ንምስራሕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

መስራቲን መካየዲ ስራሕን ቴሌቪዥን ጣቢያ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ኣይተ ፋሲል ለገሰ ብግደኦም፥ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝተፈላለዩ ቴሌቪዥን ጣቢያታት መሰል ስልጠና ከምዝተውሃበን ተመሳሰልቲ ስልጠናታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ገሊፆም።

ብፍቅርተ ከበደ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com   

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.