Fana: At a Speed of Life!

ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ፕሮጀክት ውፅኢታዊ ንኽኸውን ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ፕሮጀክት ውፅኢታዊ ንኽኸውን መንግስቲ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ፕሮጀክት” ንመዳርግቲ ኣካላት ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ከምዝተገለፀ፥ መንግስቲ እቲ ፕሮጀክት ዝተዓለመሉ ሽቶ ንኽወቅዕ ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

መሓዙት ኣካላት ልምዓት፣ መዳርግቲ ኣካላት ከምኡ እውን ዝምልከቶም ሓለፍቲ ክልላትን ሰብ ሞያን ኣብ ዝተረኸቡሉ እቲ ፕሮጀክት ዕላዊ ዝገበሩ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ መንግስቲ እቲ ፕሮጀክት ዝተዓለመሉ ሽቶ ንኽወቅዕ ብዕቱብ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ካብ ፅባሕ እቲ ጎንፂ ጀሚሩ ጉድኣት ንዝበፅኾም ወገናት ዕለታዊ ምግቢ ብምቕራብ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባር፣ ኣብ በጀት ዓመት 2014 መሊስካ ንምጥያሽ 5 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ብምምዳብ ከምኡ እውን ኣብ በጀት ዓመት 2015 20 ቢሊየን ብር መሊስካ ንምጥያሽ ዝኸውን በጀት ሰሊዑ ከየዲ መሊስካ ምጥያሽ ውፅኢታዊ ንኽኸውን እናሰርሐ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፕሮጀከት ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ክፋል ኦሮሚያን ተግባራዊ ከምዝግበር ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የዓለም ባንክን ጨምሮ የተባባሩት መንግስታት የፕሮጀክት አገልግሎት ቢሮ፣ የተባባሩት መንግስታት የህጻናት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.