Fana: At a Speed of Life!

ብግድፈት ስነ-ምግባር ዝተኸሰሱ 24 ጠበቓታት ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ በ2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ፍትሒ ኮሚቴ ስነ-ምግባር ኣቢያተ ፍርዲ ፌደራል ብግድፈት ስነ-ምግባር ክስ ዝቐረቦም 24 ጠበቓታት መርሚሩ ጥፍኣተኛ ብምባል ቅፅዓት ኣንቢሩሎም።

ካብ ሞንጎ 24 ተኸሰስቲ እቶም 18 ፍቓድ ጥብቅነኦም ብእዋኑ ብዘይምሕዳስ ዝተኸሰሱ እንትኾኑ÷ ዝተረፉ ግን ብበዓል ጉዳይ ዝቐረቦም ግድፈት ስነ-ምግባር ብክሲ ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዳይሬክተር ምሕደራ ኣወሃህባ ፍቓድ ጥብቅናን ናፃ ግልጋሎትን ኣይተ ፍቐዱ ደምሴ ንፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁ÷ ብግድፈት ስነ-ምግባር ክሲ ዝቐረቦም 46 ጠበቓታት ነይሮም።

ክሲ ካብ ሞንጎ ዝቐረቦም ጠበቓታት እቶም 24 ዝቐረበሎም ክሲ ክሲ ተመርሚሩ ጥፍኣተኛ ስለዝተብሃሉ መቕፃዕቲ ከምዝተነበረሎም ብምግላፅ፤ ዝተረፉ ናፃ ተባሂሎም።

ጥፍኣተኛ ካብ ሞንጎ ዝተብሃሉ 24 ጠበቓታት ድማ እቶም 18 ኣብ እዋኑ ፍቓድ ጥብቅናኦም ብዘይምሕዳስ ብግድፈት ስነ-ምግባር ዝተኸሰሱ ብገንዘብ ክቕፅዑ ተወሲኑ።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.