Fana: At a Speed of Life!

ብግዕዝይና ዝተመዝገበ ልዕሊ 700 ሚሊየን ብር ኣጊደ – ሚኒስቴር ፍትሒ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብግዕዝይና ዝተመዝገበ ልዕሊ 700 ሚሊየን ብር ገንዘብ ምእጋዱ ሚኒስቴር ፍትሒ  ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብግዕዝይና ዝተዘረፈ ገንዘብ፣ መሬት፣ ገዛን ተሸከርከርቲን ሓዊሱ ካልኦት ሃፍቲታት ተኸታቲሉ ከምዘምለሰ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

በዚ ድማ 10 ሺሕ ካሬ ሜትሮ መሬት ሓዊሱ ልዕሊ 88 ሚሊየን ብር ከምኡ እውን ተሸከርከርቲን መንበሪ ኣባይቲን ተመሊሶም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ክትዕ ዘለዉን ክሲ ዝተመስረተሎምን ሃፍቲታት ህዝቢን መንግስቲን ንኽእገዱ ከምዝተገበረ እውን ተመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.