Fana: At a Speed of Life!

ብግዕዝይና ዝተመሰዝበረ 9 ቢሊየን ብር ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከይዲ ምክልኻል ገበን ግዕዝይና 9 ቢሊየን ብርን ልዕሊ 4 ሚሊየን ካሬ ሜትሮ መሬትን ምምላስ ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል  ኣፍሊጡ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን እሸቴ ኣስፋው÷ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ንምክልኻል ተቓላዕቲ ዘፈራት ብምፍላይ ብዙሓት ተግባራት ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም፡፡

መሬት፣ ዕድጊትን ንብረትን ከምኡ እውን ምሕደራ ኩንትራትን ኣወሃህባ ግልጋሎት ህዝቢን ንግዕዝይና ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ብፅንዓት ከምዝተፈለዩ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚሽን ብቐንዱ ግዕዝይና ንምክልኻል ብምውዳድ ብዝሰርሖም ተግባራት 9 ቢሊየን ዝኸውን ጥረ ገንዘብን ልዕሊ 4 ሚሊየን ካሬ ሜትሮ መሬት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ግዕዝይና ንምክልኻል ልዑል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.