Fana: At a Speed of Life!

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ካብ ዝበፅሖም 42 ሆስፒታላት እቶም 36 ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ካብ ዝበፅሖም 42 ሆስፒታላት እቶም 36 ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዶክተር ኣየለ ተሾመ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብዝተገበረ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ መሰረት ኣብ ከልል ኣምሓራ 40 ሆስፒታላት፣ 452  ጣቢያታት ጥዕና፣ 1728  ኬላታት ጥዕና፣ ኣብ ክልል ዓፋር 2 ሆስፒታል፣ 24 ጣቢያታት ጥዕናን 52  ኬላታት ጥዕና ጉድኣት ከመዝበፅሐን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ብምኽኒያት ጎንፂ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 6 ሆስፒታላት፣ 21 ጣቢያታት ጥዕና፣ 978  ኬላታት ጥዕና ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ 15 ጣቢያታት ጥዕና፣ 348  ኬላታት ጥዕና ኣገልግሎት ዝተኣጓጎለሎም ትካላት ጥዕና ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ካብ ዝበፅሖም 42 ሆስፒታላት እቶም 36 ፅገና በምግባርን ዘድሊ ናርውቲታት ሕክምና ብምምላእን ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

እቶም ሽዱሽተ ድማ ጎንፂ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ብምዃኖም ናብ ዝነበርዎ ምምላስ ከምዘይተኽኣለ ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ 414 ፣ ዓፋር 20 ፣ ኦሮሚያ 33 ጉድኣት ዝበፅሖም ጣቢያታት ጥዕና ሃንደበታዊን መሰረታዊን ኣገልግሎት ጥዕና ይህቡ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ኣብ እዋን እቲ ኲናት 124 ኣምቡላንስን ዝተዘረፉ እንትኾኑ፥ ጉድኣት ዘጋጠሞም ናይ ምፅጋን ን ካልኦት 13 ሓደሽቲ ኣምቡላንሳት ናይ ምልኣኽን ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብመላኩ ገድፍ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.