Fana: At a Speed of Life!

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት በፂሑዎ ዝነበረ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል መርሳ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት በፂሑዎ ዝነበረ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል መርሳ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመረን ብዙሓት ሓደሽቲን ክባር መሳርሒታትን ተተኺሎሙሉ ዝነበረን እቲ ሆስፒታል፥ ብጉጅለ ህወሓት ልዑል ዕንወትን ዘረፋን ተፈፂሙሉ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

መካየዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ኣድማሱ ተስፋዬ፥ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ሆስፒታል ልዕሊ 119 ሚሊየን ብር ዝግመት ዕንወት ምብፅሑ ገሊፆም፡፡

400 ሺሕ ዝኣኽሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘገልግል ሆስፒታል መርሳ፥ ዕንወት ምስ በጽሖ ካብ ሆስፒታል ቲቺንግ ሃዋሳ፣ ሆስፒታል ሸበል በረንታን ፋውንዴሽን ወፋን ዝተፈላለዩ እታወታት ሕክምና ብሓገዝ ከምዝረኸበ እቶም መካየዲ ስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ሳማሪታን ፐርስ ካብ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ልዕሊ 13 ሚሊየን ብር ዝግመቱ መሳርሒታት ሕክምና ምርካቡ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብኣንድነት ናሁሰናይ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.