ብጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ኣቲዩ፡፡
ኣባላት እቲ ጉጅ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቶም÷ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ደቡብ ሱዳን ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብቲ ሚኒስቴሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡