Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ግዕዝይና ዝተማረረ ግብፃዊ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ንባዕሉ ብሓዊ ኣቃፂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብገበን ግዕዝይና ዝተማረረ ሓደ ግብፃዊ ውልቀ ሰብ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ንባዕሉ ብሓዊ ከምዘቃፀለ ተገሊፁ።

እቲ ውልቀ ሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ካይሮ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና እናተገበረሉ ከምዝርከብ ኢዩ ሬውተርስ ፀብፂቡ ዘሎ።

ክሳብ ሕዚ ነቲ ፍፃመ ብዝምልከት ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ ዝተውሃበ ርኢቶ የለን ተባሂሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲታት እናተዘርገሐ ዝርከብ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዘርእዮ፥ እቲ ንባዕሊ ብሓዊ ዘቃፀለ ውልቀ ሰብ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዕዝይና ምምራሩ እናገለፀ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

እቲ ንባዕሉ ብሓዊ ዘቃፀለ ውለቀ ሰብ ቅድሚ ንባዕሉ ምቅፃሉ ድምፂ እናስመዐ ይበኪ ከምዝነበረ እቲ ፀብፃብ ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.