Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ግብረ ራዕዲ ዝተጠርጠሩ ኣብ እኒ ወንደሰን ኣሰፋ (ዶ/ር) መዝገብ ተወሳኺ እዋን ምርመራ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ ብገበን ግብረ ራዕዲ ዝተጠርጠሩ ኣብ እኒ ወንደሰን ኣሰፋ (ዶ/ር) ሓዊሱ ናይ ሰለስተ ሰባት መዝገብ ተወሳኺ ምርመራ ንኽግበር 14 መዓልቲ ፈቒዱ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ምድብ ልደታ 1ይ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ፥ ፖሊስ ብገበን ግብረ ራዕዲ ዝጠርጠሮም ወንደሰን ኣሰፋን (ዶ/ር) ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ መዝገብ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ዝተሰርሐ ምርመራ ተመልኪቱ ኢዩ ተወሳኺ ምርመራ ክግበር ኣለዎ ብምባል 14 መዓልቲ ፈቒዱ።

ተጠርጠርቲ፥ 1ይ ወንደሰን ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ 2ይቲ መሰረት ቀለመወርቅ (ዶ/ር)ን 3ይቲ ገነት ኣስማማው ኣያሌው ኢዮም።

መርማሪ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተውሃበ 14 መዓልቲ ምርመራ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምርመራ÷ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ቆፀሮ ንመጋባእያ ኣቕሪቡ።

ሕዚ እውን ተወሰኽቲ ምርመራን መሰኻኽርን ንምቕራብ ተወሳኺ ግዘ ከምዘድልዮ ፖሊስ ንመጋባእያ እዋን ቆፀሮ ሓቲቱ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ብግደኦም፥ ብፖሊስ ተሪፎም ዝረብሃሉ ተወሳኺ እዋን ቆፀሮ መጠየቒ ዝርዝራት ተወሳኺ ግዘ ንመሃብ ዘኽእሉ ምኽንያታት ኣይኮኑን ብምባል ተኻቲዖም።

ንዓማዊሎም መሰል ዋሕስ ንኽፍቀደሎም እውን ሓቲቶም።

መርማሪ ፖሊስ ብግድኡ፥ ኣብ ዝተውሃቦ እዋን ብዙሓት መረዳእታታት ክእክብ ከምዝኸኣለ ብምፅራሕ ቤት ፍርዲ ዝሰራሕናዮ ስራሕቲ ምርመራ ኣብቲ መመዝገብ ክምልከት ይኽእል ኢዩ” ብምባል መልሲ ሂቡ። ተጠርጠርቲ ብዋሕስ እንተወፂኦም መረዳእታ ክሓብኡ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል ሕቶ ዋሕሶም ተቓዊሙ።

የማንን ፀጋምን ዘድመፀ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ፥ መዝገብ ምርመራ ፖሊስ ተመልኪቱ ኣድላዪ ትእዛዝ ንመሃብ ንሎሚ መዓልቲ ብዝሃቦ ቆፀሮ መሰረት ብምግባር ሕቶ ዋሕስ ተጠርጠርቲ ንግዚኡ ብምሕላፍ ኣድላይነት ተወሳኺ ምርመራ ምክያድ ብምእማን ንፖሊስ 14 መዓልቲ ተወሰኽቲ እዋን ምርመራ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.