Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ኽሕደት ሃገር ተጠርጢሮም ትእዛዝ ማእሰርቲ ወፂኡሎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣመራርሓታትን ጦር መኮንናትን ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብገበን ኽሕደት ሃገር ተጠርጢሮም ትእዛዝ ማእሰርቲ ወፂኡሎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣመራርሓታትን ጦር መኮንናትን ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ፈፌዴራል ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ኣብ ዘካይዱዎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ህወሓት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብምስታፍ ኣካል እቲ ጥፍኣት ኢዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ልዕሊ 300 ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ጦር መኮንናትን ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዘውፀአሎም ይፍለጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ ጦር መኮንናት፡-

  1. ሜ/ጀኔራል ገ/መድህን ፈቃዱ ሃይሉ
  2. ሜ/ጀኔራል ይዳው ገ/መድህን
  3. ብ/ጀኔራል ገ/ህይወት ሲስኖስ ገብሩ
  4. ብ/ጄኔራል ኢንሱ እጃጆ እራሾ
  5. ብ/ጄኔራል ፍስሃ ገ/ስላሴ
  6. ኮ/ል ደሳለኝ አበበ ተስፋዬ
  7. ኮ/ል እያሱ ነጋሽ ተሰማ
  8. ኮ/ል መብራቱ ተድላ ወ/ሚካኤል
  9. ኮ/ል ባራኪ ጠማሎው ገብሩ
  10. ኮ/ል ሃይላይ መዝገብ ማሾ
  11. ኮ/ል ፍሰኃ ግደይ ወ/ማርያም
  12. ሌ/ኮ/ል ሙዘይ ተሰማ ስዩም
  13. ሌ/ኮ/ል ፍሰሃ በየነ ገ/ኪዳን
  14. ሌ/ኮ/ል ምሩጽ ወ/አረጋይ ገ/መስቀል
  15. ሌ/ኮ/ል ምሩጽ በርሄ ኣበራ ምርመራ እናተገበረሎም ይርከብ፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ድማ ትእዛዝ ማእሰርቲ ካብ ዝወፅሎም 81 ላዕለዎት ኣመራርሓታት ህወሓት ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ከምዝተትሓዙ ይፍለጥ።

የኢ.ፌ.ዲ.ሪ የሀገር መከላከያ እና የፌዴራል ፖሊስ ኮሚሽን ባካሄዱት የተቀናጀ የህግ ማስከበር ዘመቻ ወቅት በተካሄደው የምርመራ ስራ እንደተጣራው እርምጃ ከተወሰደባቸው መካከል

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝተገበረ ስራሕቲ ምርመራ ከምዝተፃረየ ስጉምቲ ካብ ሞንጎ ዝተወሰደሎም ድማ፡-

  1. ኮ/ል ተስፋዬ ገ/መድህን
  2. ኮ/ል የማነ ገ/ሚካኤል
  3. ሌ/ኮ/ል ሀዲሽ ገ/ጻዲቅ
  4. ኮ/ል ማዕሾ
  5. ኮ/ል አለም ገ/መድህን ከምዝርከቡዎ ተረጋጊፁ ኢዩ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታ ብምትሕብባር ዝተረፉ ዘይተተሓዙ ጦር መኮንናትን ኣመራርሓታት ህወሓትን ካብ ዝተሓብኡሉ ዋሻን ትካላት ሃይማኖትን ብምህዳን ናብ ሕጊ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ኣመራርሓታት ጁንታ ህወሓት ብውግእ ምስተሰዓሩ ንባዕሎም ካብ ኣከዳድና ጀሚሩ ብምቕያር ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ፖሊስ ሓበሬታ ከምዝበፅሖ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ፡፡

ህዝቢ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ልዑል ኣስተዋፅኦ እቲ ኮሚሽን ምስጋና ዘቕረበ እንትኸውን፥ ዘይተትሓዙ ተደለይቲ ኣካላት ካብ ዝተሓብኡሉ ቦታ ሒዙ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብዝግበር ምንቅስቓስ ኣብ ጎኒ ኣባላት ፖሊስ ደው ብምባልን ኣድላዪ ሓበሬታ ብመሃብን ዜግነታዊ ግቡኡ ንኽዋፃእ ፀዊዑ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.