Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ክሕደት ሃገርን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓታት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ሰባት ትእዛዝ መትሐዚ ወፂኡዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብገበን ክሕደት ሃገርን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓታት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ሰባት ትእዛዝ መትሐዚ ከምዝወፅኦም ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ተጠርጣሪዎቹ መንግስት እና ህዝብ የተጣለባቸውን ከባድ ኃላፊነት ወደ ጐን በመተው መቀመጫቸውን ትግራይ ክልል በማድረግ የህዋሃት ፀረ-ሠላም እና ፀረ-ህዝብ ከሆኑ ከፍተኛ አመራሮች ተልዕኮ በመቀበል በጽንፈኝነት አስተሳሰብ በመነሣት በሀይል ወደ ስልጣን የመምጣት ፍላጎትን ካነገቡ ፀረ-ሠላም ሀይሎች ተልዕኮ በመቀበል በሀገር ውስጥ ሌሎችን በማደራጀት ሀገር የመበተን፣ ሁከትና ብጥብጥ እንዲፈጠር እና ህገ-መንግስታዊ ሥርአቱን አደጋ ላይ የሚጥል ተግባር ውስጥ በቀጥታ እና በተዘዋዋሪ መንገድ በመሳተፍ ህዝብ በመንግስት ላይ አመኔታ እንዳይኖረው በማድረግ በአገር ክህደት እና በሰብአዊ መብት ጥሰት ወንጀል የተጠረጠሩ በተለያዩ የአመራር ደረጃ ላይ የነበሩ የአዲስ አበባ ፖሊስ ኮሚሽን አመራሮች የመያዣ ትዕዛዝ ወጥቶባቸዋል

እቶም ተጠርጠርቲ መንግስቲን ህዝቢን ዝሃቦም ከቢድ ሓላፍነት ናብ ጎኒ ብምባል መቐመጢኦም ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝገበሩ ፀረ ሰላምን ፀረ ህዝቢን ዝኾኑ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ህወሓት ትእዛዝ ብምቕባል፤ ብፅንፈኛ ኣተሓሳስባ ብምብጋስ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ምምፃእ ምስ ዝደልዩ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ልኡኽቶ ብምቕባል ኣብ ውሽጢ ካልኦት ብምውዳብ ሃገር ናይ ምብታን፣ ሁውከትን ዕግርግርን ክፍጠርን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባር ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ መገዲን ብምስታፍ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ከይህልዎ ብምግባር ብሃገር ክሕደትን ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዝተጠርጠሩ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ መሪሕነት ዝነበሩ ኣመራርሓታት ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ፦

1) ኮማንደር ሰለሞን ኣብርሃ ብስራት

2) ኮማንደር ሃይለማርያም ብርሃኔ ገ/ማርያም

3) ም/ኢ/ር ክብሮም ገብሩ ገ/እግዚአብሄር

4) ም/ኢ/ር ኣረጋዊ ገ/ሂወት ኣስፋዉ

5) ሓ/ኢንስፔክተር ገዛኢ ገ/ሂወት ገ/ስላሴ

6) ሓ/ኢንስፔክተር ተስፋ ኪሮስ ግደይ

7) ሓ/ኢንስፔክተር ኣርኣያ ገ/አናንያ ኪዳኑ

8)ሓ/ኢንስፔክተር ሰለሞን ወላይ ወ/ኣብዝጊ

9) ዋ/ሳጅን ሃይላይ ወልዱ ገ/ማርያም

10) ዋ/ሳጅን ሃፍቱ ካሕሳይ ኣብርሃ ትእዛዝ መትሓዚ ወፂኡዎም ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ትግራይ፤ ከምኡ እውን ሰራዊት ምክልኃል ሃገር፣ ሰራዊት ፖሊስን ትካላት ድሕንነትን እዞም ተደለይቲ ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ሃዲኑ ንብ ሕጊ ንምቕራብ እናተገበሮ ኣብ ዘሎ ተግባር በቢዘለዉዎ ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ እተ ኮሚሽን ፀዊዑ።

ኣብ ቀፃሊ ዝተረፉ ተጠርጠርቲ እቲ ጁንታ ዝኾኑ ኣካላት ተኸታቲሉ ብሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን፥ ኣብቲ ጉዳይ ተኸታታሊ ሓበሬታታት ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሉ ንሕብረተሰብ ዕላዊ ክዝገበር ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.