Fana: At a Speed of Life!

ብጃክ ማ ንሃገራት ኣፍሪካ ዝተወፈዩ ኣቑሑት መከላኸሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ብመስራቲን ዋና ፈፃሚ ስራሕን ጃክ ማ ንሃገራት ኣፍሪካ ዝተወፈዩ ኣቑሑት መከላኸሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ብመሰረት እዚ ንሳልሳይ እዋን ዝተልኣኹ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን(ማስክታት)፣ 500 ሺሕ ናሙና መውሰዲን መመርመሪ መሳርሒታትን፣ 300 መተንፈሲ መሳርሒታት፣ 200 ሺሕ ክዳውንቲ ሕክምናን 200 ሺሕ መሸፈኒ ገፅን ኢዮም ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ናብ ዲስ ኣበባ ክኣትዉ ዝኸኣሉ።

ብተወሳኺ 2 ሺሕ መለክዒ ሙቐት፣ 100 መሳርሒታት መለክዒ ሰውነትን 500 ሺሕ ፅምዲ ናይ ኢድ ጓንቲን ከምዝርከቡዎ ተገሊፁ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝርከብ ግልጋሎት ካርጎን ሎጂስቲክስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተገበር ስነ-ስራዓት ርኽክብ፥ ተወከል ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.