Fana: At a Speed of Life!

ብዳህሳስ ገዛ ንገዛ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ትግራይ 33 ጥርጡራት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 5 ሚያዝያ ክሳብ ትማሊ 8 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብዝተዛዘመ ዳህሳስ ገዛን ገዛ ቫይረስ ኮሮና 33 ጥርጡራት ከምዝተረኸቡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ዳህሳስ፥ ብቐዳምነት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሕማም ዘለዎ ግንዛበ እንታይ ከምዝመስል ዝረኣየሉ፣ ኣብ ሕድሕድ ገዛ መከላኸሊ እታወታት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝረጋገፀሉን ካብ 01 መጋቢት 2012 ዓ.ም ንነዘ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብ ፈሊኻ ዝምዝገበሉን ብኡ ኣቢሉ ድማ ዝተረኸበ ተጠርጣሪ እውን ዝፍለየሉን ከምዝነበረ ሓላፊ ብሮ ጥዕና እቲ ክልል ዶክተር ሓጎስ ጎደፋይ ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ሚድያታት ግጉይ ርድኢት ብምሓዝ “ምርመራ ክካየድ እዩ” ኢለን ስለዘመሓላለፋ ሕብረተሰብ ካሊእ ትፅቢት ከሕድር ከምዝገበረ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ዳህሳስ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተኻየደ ቆፀራ ህዝቢ መሰረት ብምግባር 1ነጥቢ 3 ሚልዮን መራሕቲ ስድራ ክካተቱ ተተሊሙ ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣብ 1ሚሊየን 550 ሺሕን 931 መራሕቲ ስድራ ዳህሳስ ከምዝተገበረ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብ ኣብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ግንዛበ 58 ምኢታዊ፣ ግንዛበ ሕብረተሰብ ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን 53 ምኢታዊ፣ ብልምዓት ጉጅለ ዝተጠርነፈ 62 ምኢታዊ፣ እታወታት መከላኸሊ 48 ምኢታዊ ምዃኑ ከምዝተፈለጠ እውን ገሊፆም።

ካብ 1 መጋቢት 2012 ዓ.ም ንነዘ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ 14 ሺሕን 559ን ሰባት ከምዝተመዝገቡ ዝገለፁ ዶክተር ሓጎስ፥ ካብ መላእ ትግራይ 33 ዝኣኽሉ ጥርጡራት ተፈልዮም ኣብ ከይዲ ምርመራ ይርከቡ።

እቲ ዳህሳስ ንፈለማ እዋንን ብወለንታን ውፉይነትን እቶም ተሳተፍቲ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ እቶም ቢሮ ሓላፊ፥ “ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅምኡ ክፍተታት እኳ እንተነበርዎ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ዘለናሉ ብርክን ንቐፃሊ ከመይ ክንከይድ ከምዝግበኣና ክንፈልጥን ዝሕግዝ ስለዝኾነን ዓብዪ ምስጋናን ክብርን ክወሃቦ ዘለዎ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ወገናት ማለት እውን ካብ ኣዐርየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ወገናት፣ ነዊሕ ጉዕዞ ዝጎዓዙ ሹፌራት፣ ንኻሊእ ሕክምና ናብ ጥዕና ትካላት ዝመፁ፣ ኒሞንያ ዝተረኸቦም፣ ኣብ ICU ዘለዉ ሕሙማትን ኣብ ሃንደበታዊ ክፍሊ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕናን ቅድሚያ ተዋሂብዎም ምርመራ ክካየደሎም እዩ ተባሂሉ።

ብልምዓት ጉጅለ ኣቢልካ ኣብ ጣብያታት ዘሎ ምዕባለታት በቢ ሰለስተ መዓልቱ ዝፍለጠሉ መተግበሪ ኣፕሊኬሽን ተዳልዩ ኩሉ በቢዝምልከቶ ምላሽ ዝህበሉ መስርሕ ከምዝተኣታቶ እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ጋዜጣ ወይን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.