ብዝውውር መዐወኒ እፃት ዝተጠርጠረ ጋዜጠኛ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዝውውር መዐወኒ እፃት ዝተጠርጠረ ጋዜጠኛ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።
እቲ ጋዜጠኛ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዱባይ እቲ መዐወኒ እፅ ንምትሕልላፍ ክብል ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።
ቅድሚ ጉዕዞ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ከምቲ ልሙድ ተፍቲሽ ሻንጣን ኣካል ሰብን ብምግባር ክሓልፍ ዝነበረ ብመልክዕ ሑሩጭ ዝተሰናድአ 2 ነጥቢ 10 ኪሎ ግራም ኮኬይን እፅ ምስቲ ተጠርጣሪ ጋዜጠኛ ሰዓት 2፡40 ምሸት ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠርጣሪ ዝግበር ምርመራ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ በምግላፅ፥ እቲ ውልቀ ሰብ ቅድመ ሐዚ ብሰባት ኣበሉ መዐወኒ ሓደገኛ እፅ ይልእኽ ከምዝነበረ ውፅኢት ምርመራ ፖሊስ ከምዘርእይ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።