Fana: At a Speed of Life!

ብዝተፋላላየ ምኽንያታት ተጓቲቱ ዝነበር ህንፀት አፈፃፅማ ፕሮጀክት ድልድል ኣባይ 61 ነጥብ 5 ሚኢታዊ በፂሑ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተፋላላየ ምኽንያታት ተጓቲቱ ዝነበር ህንፀት አፈፃፅማ ፕሮጀክት ድልድል ኣባይ 61 ነጥብ 5 ሚኢታዊ በፂሑ ተባሂሉ።
ብለበዳ ኮቪድ 19ን ግበረ ራዕዲ ህወሓት ብዝወለዖ ኹናትን ምትእጉጓል ገጢምዎ ኔሩ ዝተበሃለ ፕሮጀክት ህንፀት ሓድሽ ድልድል፥ ብ 1 ነጥቢ 4 ቢልየን ብር ወፃኢ ተጌሩ ዝካየድ ህንፀት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ህንፀቱ እትዛዘም 380 ሜትሮ ንውሓትን 43 ሜትሮ ንጎኒ ስፈሓት ከምዝህልዎ ናይቲ ፕሮጀክት ምኽትል ተፀዋዒ ኢንጀነር ፍቅረስላሴ ወርቁ ገሊፆም።
እቲ ድልድል ብሓደሻዕ 6 ተሸከርከርቲ ከምሓላልፍ ዝኽእል 2 መገዲታት ዘለዎ ኢዩ።
5 ሜትሮ ናይ ሳይክልን እግረኛታትን መገዲታት ከምዘካተተን ካብዚ ብተወሰኺ ድማ ምልክታት ትራፊክ፣ መብራህቲ፣ ናይ ተሸከርከርቲ መውፅእን ካልኦት ናይ ኮንክሪት ስራሕቲ ከምዘካተተ ኢንጂነር ፍቅረስላሴ ወሲኾም ገሊፆም።
2011 ዝተጀመረ እቲ ፕሮጀክት ኣብ መወዳእታ ዓመት 2013 ክዛዘም ዝነበሮ እትኾን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ናይ ህንፀት ኣፈፃፅማ 61 ነጥብ 5 ሚኢታዊ እዩ።
እታወታት በቲ ዝደለ መልክዕ እተተማሊኡ እቲ ፕሮጀክት አብ 2015 ንምዝዛም ትልሚ ከምዝተተሓዘን ነቲ ትልሚ ንምዕዋት ኣድላየ ዘበለ ድጋፍ ክግበር ፃውዒት ከምዝቀረበ ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
Share
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.