Fana: At a Speed of Life!

ብዝተፈላለዩ ገበናት ንምርመራን ክሲን ዝድለዩ 1 ሺሕን 600 ዝኾኑ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ኣይተኽኣለን – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሮም ንምርመራን ክሲን ዝድለዩ 1 ሺሕን 600 ዝኾኑ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ከቕርብ ከምዘይከኣለ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ገሊፁ።

ባይቶ ወከል ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሉኡ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመተ 2012 ዓ.ም ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕቂ ፌዴራል ኣድሚፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ዘቕረቡዎ ፀብፃብ፥ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዙሓት ተግባራት ከሳልጥ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

ምዘና ኣመለኻኽታን እምነትን ተገልገልቲ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃኑ፥ ኣብዚ ሕዚእዋን ተገልገልቲ ኣብቲ ትካል ዘለዎም እምነትን ኣመለኻኽታን 71 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ፣ ሕጊ ገበን ንምሕላውን ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝዝሓበሩ እቶም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፥ ስራሕቲ ምክልኻል ገበን ውፅኢታዊ ንምግባር ዝሕግዝ ስትራቴጂ ምክልኻል ገበን ከምዝተሰናድአ እውን ኣፍሊጦም።

ልክዒት ምፅራይ ኩሎም ዓይነታት ገበን 100 ሚኢታዊ ንምግባር ተሃቂኑ ከይዲ ምርመራ ዝተዛዘመሎም 27 ሺሕን 959 መዝገብ ክሲታት ዝቐረቡ ኮይኖም፥ እቶም 27 ሺሕን 684 መዛግብቲ ውሳነ ከምዝተውሃቦምን 175 መዛግብቲ ድማ ኣብ ከይዲ ከምዝርከቡን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ልክዒት መጠን ምፅራይ ገበን 99 ነጥቢ 01 ከምዝበፅሐ ኣይተብርሃኑ ፀጋዬ ገሊፆም።

ውሳነ ካብ ውሽጢ ዝረኸቡ መዛግብቲ እቶም 19 ሺሕን 238 ክሲ ዝተመስረተሎም እንትኾኑ፥ 8 ሺሕን 446 ብዝተፈላለዩ ሓጋዊ ምኽንያታት ዝተዓፀዉ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣፈፃፅማ ፍሉይ ጠመተ ዘድልዮም ጉዳያት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመሩን ኣብዚ በጀት ዓመት ዝተኸፈቱን ከበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን ገበናት ግዕዝይናን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምፅንሑ እውን ገሊፆም።

ብዝተፈላለዩ ገበናት ንምርመራን ንኽሲን ካብ ዝድለዩ 3 ሺሕ ተጠርጠርቲ፥ 1 ሺሕን 404 ተጠርጠርቲ ጥራሕ ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

እቶም 1 ሺሕን 600 ዝኾኑ ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ኣይተኽኣለን ዝበሉ ኣይተ ብሃኑ፥ ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 827 ተጠርጠርቲ ካብ ክልል ቤንሻንጉል፣ 655 ካብ ክልል ደቡብ፣ 50 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 4 ተጠርጠርቲ ካብ ክልል ትግራይ፣ 18 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 33 ካብ ክልል ሶማሌ፣ ከምኡ እውን 9 ተጠርጠርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሲ ተመስሪቱዎም ናብ ሕጊ ዘይቀረቡ ሰባት ከምዝኾኑ ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ተሓቢሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ዘይተኽኣለሉ ምኽንያት ድማ ክልላትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓላፍነቶም ብግቡእ ብዘይምውፀኦም ምዃኑ እቶም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፆም።

እቲ ትካል፥ ዘለዉዎ ምዕቡላት ጎኑ ብምሕያልን ድኽመታቱ ብምእራምን ኣብ ቀፃሊ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ዝሕግዞ ትልሚ 10 ዓመት ምድላዉ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀፃሊ ብዝተዋደዱ ገበናት፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ግዕዝይናን ተጠርጢሮም ክሲ ዝተመስሪቱሎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይወዓሉ ሰባት ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ብዕቱብ ከምዝስራሕ እውን ኣይተ ብርሃኑ ኣብሪሆም።

ኣባላት እቲ ባይቶ ብግደኦም፥ እቶም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ብዘቕረቡዎ ፀብፃብ ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣልዒሎም ምላሽን መብርሂን ተዋሂቡዎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.