Fana: At a Speed of Life!

ብዛዕባ እንታይነት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እንታይ ይፈልጡ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ንምክልኻልን ዝርግሕኡ ንምጋትን እዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ሰብ ሞያታት ጥዕና ይመኽሩ።

  • ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገረ ቻይና ጀሚሩ ናብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ኣፍሪካ እውን ሓዊሱ እናተስፋሕፈሐ ይርከብ፡፡ ብመሰረት እዚ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮና ቫይረስ ዓለም ለኸ ስግኣት ጥዕና ኢሉ ኣውጁ ኣሎ፡፡
  • ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ እውን ዓብዩ ስግኣትን ፀገም ጥዕናን ኮይኑ ኣሎ፡፡
  • ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብዓይኒ ብዘይረአዩ ደቀቕቲ ታህዋስያን ዓሌት ቫይረስ ዝመፅእ እዩ፡፡
  • ኣካላት ስርዓት ምትንፋስ ዘጥቅዕ ሕማም እዩ፡፡
  • ኮሮና ቫይረስ ናብ ሰውነት ሰብ ምስኣተወ ክሳብ 14 መዓልታት ምልክት ከየርአየ ክፀንሕ ስለዝኽእል እዚ ሕማም ካብ ዘለወን ሃገራት ዝመፁን ምስቶም ዝመፁ ሰባት ንኽክእ ወይ ርክብ ዘለዎም ሰባትን ክሳብ 14 መዓልታት ጥንቃቀ ክገብሩ ይግባእ፡፡
  • ዓቅሚ ምክልኻል ሕማም ዘዳኽሙ ሕማማት ማለት ከም ሕማም ሽኮር፣ ሕማም ልቢ፣ ኤች ኣይቪ ኤድስ፣ ካንሰር ዘለዎም ሰባትን ኣረጋውያን ብዝበለፀ ተጠቃዕቲ ስለዝኾኑ ዝለዓለ ጥንቃቀ የድሊ፡፡

ምልክታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ፦

  • ሰዓል
  • ረስኒ
  • ከቢድ ፀገም ምትንፋስን/ትንፋስ ሙቁርራፅን\ እቶም ቀንዲ ምልክታት እዮም፡፡

ምልክት እቲ ሕማም እንተተርእይዎም ሽዑ ንሽዑ ኣብ ቀረቦኦም ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ክኸዱ ይግባእ፡፡

መተሓላለፊ መንገድታት፦

  • በቲ ቫይረስ ዝተጠቐዐ ሰብ እንትስዕልን እንተህንጥስን ምስ ዝወፀእ ነጠብጣብ ወይ ፈሳሲ ንኽክእ እንትህሉ እቲ ቫይረስ ብኣፍንጫ፣ኣፍንን ዓይንን ኣቢሉ ናብ ጥዑይ ሰብ ይመሓላለፍ፡፡
  • እዚ ሕማም ኣብ ዝተርኣየሉ ከባቢ ምስ ዘለዉ እንስሳ ብምንኽኻእን
  • ናይቶም እንስሳ ውፅኢት ስጋን ፀባን ከይበሰለ ብምምጋብን ኣቢሉ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ፡፡

መከላኸሊ ሜላታት ኮሮና ቫይረስ፦

  • ኣብ እንስዕለሉን እንህንጥሰሉን እዋን ኣፍንጫና ብመንዲል ወይ ብውሽጢ ኩርናዕ ኢድ ምሽፋን
  • ዓይኒ ፣ ኣፍንጫን ኣፍን ብዘይተሓፀበ ኢድ ዘይምንካእ
  • ኩሉ ግዘ ኣብ ወሰንቲ እዋናት ብዝግባእ ኢድ ምሕፃብ ማለት
  • ድሕሪ ሽቃቅ ምጥቃም
  • ድሕሪ ምስዓልን ምህንጣስን
  • ቅድሚ ምድላው ምግብን ምምግብን
  • ቅድሚ ምጥባው ህፃውንቲ
  • ድሕሪ ዝኾነ ይኹን ደረቕ ጓሓፍን ፈሳሲ ርስሓትን ምውጋድና /ምእላይና
  • ድሕሪ ምስዓልናን ምህንጣስናን
  • ድሕሪ ብሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ምንክብኻብ ብሳሙናን ወይ ካብ ካልኦት ንመሕፀቢ ኢድ ዝተዳውን ፅሩይ ማይንን ብዝግባእ ኢድ ምሕፃብ
  • ዝተጠቀምናሉ ሶፍት ሽዑ ንሽዑ ብጥንቃቀ ናብ መኸደን ዘለዎ መኣከቢ ጓሓፍ ምውጋድ/ምእታው
  • ምልክት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ዘይምጉዕዓዝ
  • ክንክን ምስ ዘይግበረሎም ናይ ገዛ ይኹን በረኻ እንስሳ ዘይምንኽኻእን
  • ውፅኢት ስጋን ፀባን ብዝግባእ ኣብሲልካ ምምጋብን ቀንዲ መከላኸሊ ሜላታት እዮም፡፡

ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ንምርካብን ብናፃ ስልኪ መስመር 8335 ብብርኪ ሃገር፥ 6244 ድማ ብብርኪ ክልል ምድዋል ሙሉእ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.