Fana: At a Speed of Life!

ብዙሕነት ኣብ መትከል ማዕርነት ናይ ዝተሰረተ ማንነት መርኣያ ኢዩ-ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሕነት ብፍፁም ዓብላልነት ሓሳብ ዝተደረኸ እንተይኮነስ ኣብ መትከል ማዕርነት ናይ ዝተሰረተ ማንነት መርኣያ ኢዩ ከብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

“ብዙሕነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 25 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ በዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ናይ ዝተኸበረ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ በዓል መደረ ዝገበሩ ኣይተ ኣገኘሁ፥ ብዙሕነት ብፍፁም ዓብላልነት ሓሳብ ዝተደረኸ አንተይኮነስ ኣብ መትከል ማዕርነት ናይ ዝተሰረተ ማንነት መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ብዙህነት ብኣግባቡ እንተተኣናጊዱ ዓቕሚን ሃፍትን ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ብዙህነት ነናይ ገዛእ ርእስኻ መስተጋብራት ዘጠናኽርን ኢትዮጵያ ዝተሃነፀትሉን ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ንኢትዮጵያ ዕዳ ዘይኮነስ ሃፍቲ ኢዩ ዝእመን ከብሉ ኣገንዚቦም።

ብብዝሃ ማንነት ዝተሃነፀ ሓድነትና ብዘይረብሑ ኣሉታዊ ተግባራት ንከይሽርሸር ኣብ ማዕርነት ዝተደረኸ ሀብረ ብሄራዊ ስርዓት ምጥንካር፣ ምክንኻን፣ ፀገማት እንተጋጥሙ ብምዝታይን ምልዛበን ምሕካም ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ምኽባሩ ሓድነት ንምምዕባልን ሕብረ ብሄራዊመት ንምርኣይን ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.