Fana: At a Speed of Life!

ብዙሓት ዘይሕጋዊ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ገንዘባት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ብሓባር ብምውዳድ ኣብዚ ሰሙን ኣብ መንበሪ ገዛ 42 ሰባት ብዝገበሮ ፍተሻ ብዙሓት ዘይሕጋዊ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ገንዘባት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ምስቶም ዝተትሓዙ ዘይሕጋዊ ገንዘባት ሸሞንተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበሮም ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቶም ውልቀ ሰባት መምርሒ ብሄራዊ ባንኪ ብምትሕልላፍ 1 ሚሊየን 363 ሺሕን 170 ብር፣ ብዙሕ ዶላር ኣሜሪካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘባትን ሒዞም ከምዝተረኸቡ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት።

ዜጋታት ሃገር ክትዓቢ ትኽእል ዘይሕጋዊ ተግባራት ብምግታእ ከምዝኾነ ብምርዳእ፤ ገንዘቦም ብሕጋዊ መገዲ ብባንኪታት ኣቢሎም ከንቀሳቕሱ ከምዝግባእ ዘተሓሳሰበ ፖሊስ፥ ዝውውር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንምክልኻልን ፀሊም ዕዳጋ ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፖሊስ ብምዃን ሓላፍነቶም ንኽዋኡ ሓቲቱ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.