Fana: At a Speed of Life!

ብዙሓት ዓወታት ዘመዘገበ፣ ብቃልሲ ህዝቢ ዝተወለደ ለዉጢ መፂኡ ኢዩ – ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘመናት ኣጋጢሞም ዝነበሩ ስብራታት ብግቡእ ዝፈለየ፣ ስብራታት ብምፅጋን መፍትሒ ዘቐመጠን ብቃልሲ ህዝቢ ዝተወለደ ለዉጢ መፂኡ ኢዩ” ክብሉ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ መምርሒ ኢንቨስትመንትን እቲ ብሄረሰብ ኣይተ ሹመት ጥላሁን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ፡፡

ኣይተ ሹመት ጥላሁን ኣብቲ ሰልፊ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ኣጋጢሞም ዝነበሩ ስብራታት ብግቡእ ዝፈለየ፣ ስብራታት ብምፅጋን መፍትሒ ዘቐመጠን ብዙሓት ዓወታት ዘመዝገበን ብቃልሲ ህዝቢ ዝተወለደ ለዉጢ መፂኡ ኢዩ።

“ብሃገራዊ ለውጢ ከም ሃገር ቅንዕ ኢልና ንኽንከይድ ዘኽእሉ ዝፀንሑ ፕሮጀክታት ካብ ዝነበሮም ዝተሓላለኸ ፀገም ብምውፃእ ንፍፃመ በፂሖም ኢዮም” ኢሎም።

“ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ኣብ ጫፍ ምብፃሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደሽቲ መሰረት ኢኮኖሚን ዘላቒ ረብሓ ዘለዎምን ፕሮጀክታት ብምትላምን ብምፍፃምን ዘርአናዮ ውፅኢት ዝተሓሰበ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርኢ ወድዓዊ ሓቂ ኢዩ” እውን ምባሎም ካብ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.