Fana: At a Speed of Life!

ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ግፍዒ ህወሓት ብምህዳም ናብ ክልል ኣምሓራ እናኣተዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም መናእሰይ ትግራይ ግፍዒ ህወሓት ብምህዳም ናብ ክልል ኣምሓራ እናኣተዉ ከምዝኾኑ መምርሒ ሰላምን ፀፅታን ዞባ ብሄረሰብ ዋግህምራ ገሊፁ።

ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ንባዕሉ ‘ናይ ኣገው ሸንጎ’ ኢሉ ዝፅዕ ጉጅለ ዕጡቓት ኢዶም ንመንግስቲ ከምዝሃቡ እውን ተገሊፁ፡፡

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ሰፊሕ ፅንቶ ብምህዳም ካብ ቀረባ እዋን ደሓር ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታው ከምዝጀመሩ ኢዮም ሓላፊ መምርሒ ሰላምን ፀፅታን ዞባ ብሄረሰብ ዋግህምራ ኮሎኔል ጌታወይ ዘገየ ተዛሪቦም።

እቶም ሓላፊ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር መናእሰይ ሓዊሱ ካብ ማእኸል ትግራይ እናተመዛበሉ ዝመፅ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ዞባ እናኣተዉ ይርከቡ።

ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ እናኣተዉ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ መናእሰይ፥ ካብ ማእኸል ስልጠናታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከዲዖም ዝመፅ መናእሰይ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ምናልባት ልኡኽቶ ፀላኢ ሒዞም ዝመፅኡ ክህልዉ ስለዝኽእሉ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ልኡኽቶ ጥፍኣት ሒዞም ክመፅኡ ዝኽእሉ ፀጉረ ልዉጣት ንምፍላይ ዘኽእሉን ሕብረተሰብ ዘሳተፈን ከምኡ እውን ክሳብ ቀበሌ ዝተዘርግሑ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ምስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ተመዛበልቲ ንምትእንጋድ እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ዜና ንባዕሎም ‘ናይ ኣገው ሸንጎ’ እናበሉ ዝፅውዑን ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ዕጡቓት ብሰላም ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾኑ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ማሕበረሰብን እቲ ከባቢ ብምውዳድ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 160 ዕጡቓት ኢዶም ሂቦም።

እቲ ዞባ ብጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ኣቢሉ ካብቲ ወራሪ ጉጅለ ናፃ ድሕሪ ምውፅኡ እቶም ዕጡቓት ብሰላም ኢዶም ክህቡ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ካብ ፌዴራል ክሳብ ዞባ ምስ ዘለዉ ትካላት ፀፅታን ኣመራርሓ ፖለቲካን ዘተ ተኻይዱ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.