Fana: At a Speed of Life!

ብዙሓት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ጁንታ ከምዝተማረኹን ከምዝተደምሰሱን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23  ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ጁንታ ከምዝተማረኹን ከምዝተደምሰሱን ተገሊፁ።

እቶም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ከምዝተማረኹን ከምዝተደምሰሱን ሓላፊ መምርሒ ምውፋር ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብርጋዴር ጄኔራል ተስፋዬ ኣያሌው ኣረጋጊፆም።

ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ሚዲያታት እቲ ጁንታ ፕሮፓጋንዳ ሓሶት እንተወዝዑ እውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፌዴራል ፖሊስን ብሓባር በዝወሰድዎ ስጉምቲ ብዙሓት ተማሪኾም ኢዮም ኢሎም።

ብተወሳኺ ኢድ ንምሃብ ፍቃደኛ ዘይኮኑ ከምዝተደምሰሱ ተዛሪቦም።

ዝተረፉ እውን ኣብ ትካላት እምነትን ገዳማትን፣ በዓቲን ገቦታትን ንባዕልቶም ሓቢኦም ከምዝርከቡ ሓበሬታ ከምዘለዎም ገሊፆም።

እቲ ጁንታ ዝሞትዎ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ወፃእ በዝኾነ መልክዑ ንከይፍለጡ፥ “ክሳዶም ቆሪፁ” ነኒበይኖም ስለዝቐብሮም ንምፍላይ ኣፀጋሚ ከመዝኾነ ኣብሪሆም።

ሓይሊ ጁንታ ተደምሲሱ ኢዩ ዝበሉ ብርጋዴር ጄኔራል ተስፋዬ፥ በቢጋሓርቱ ዝሓብኦም ንብረት ህዝብን መንግስቲን ከምዝተትሓዙ እውን ኣረዲኦም።

እቲ ጁንታ ብህይወት ከምዘሎ ብዝተወሰኑ ኣካላት ካብ ወፃኢ ዝውዛዕ ፕሮፓጋንዳ ፍፁም ሓሶት ከምዝኾነምዝራቦም ካብ ማሕበራዊ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.