Fana: At a Speed of Life!

ብዙሃነት ሃይማኖት ንጎንፅን ስግኣትን ዝዕድም ዘይኮነስ መሰረት ሰላምን ሓድነትን ኢዩ-ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዙሃነት ሃይማኖት ንጎንፅን ስግኣትን ዝዕድም ዘይኮነስ መሰረት ሰላም፣ ምክእኣልን ሓድነትን ኢዩ ክብላ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ገሊፀን።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ክሊ ፌዴራሊዝምን ህንፀት ሃገርን ዘድሃበ ዘተ ምስ ኣወዳድባ ደቂ ኣንስቲዮን መናእሰይን ክልላት ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣካይዱ።

ወ/ሮ ኬሪያ ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ከምዝበልኡ፥ ብሄር ምስ ብሄር፣ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫው ሰላም ንምዝራግ ፃዕሪ ዝገብሩ ኣካላት ኣይሰምረሎምን።

“እቶም ኣካላት ንዝኾነ ብሄር ወይ ሃይማኖት ኣይውክሉን” ዝበላ እተን ኣፈ ጉባኤ፥ ብዙህነት ሃይማኖት ንጎንፅን ስግኣትን ዝዕድም ዘይኮነስ መሰረት ሰላም፣ ምክእኣልን ሓድነትን ኢዩ ኢለን።

ማዕርነት ሃይማኖትን ብሄርን ንድሕሪት ኣብ ዘይኽበሰሉ ብርኪ ከምዝበፅሐ እውን ተዛሪበን።

ነዚ ብምጥሓስ ዝግበር ኣፀያፊ ተግባር ኩሉ ሰብ ክቃለሶን ከውግዞን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

እቲ መድረኽ ሰላምን ዴሞክራሲያዊ ሓድነትን ህዝብታት ንምጥንኻር ዓሊሙ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.