Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንህላወ ኢትዮጵያ ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ – ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንህላወ ኢትዮጵያ ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ ክብሉ መራሒ ፓርቲ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባላትን ኣመራርሓን ፓርቲ ኢዜማ፥ “ደመይ ንሃገረይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ደም ተረኺቦም ደም ለጊሶም።

መራሒ እቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም ዝተኻየደ ፓርቲ ኢዜማ ንህልውና ሃገሩ መስዋእትነት እናኸፈለ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ንምግላፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣባላትን ደገፍቲን እቲ ፓርቲ ንወፍሪ ህልውና ሓገዝ ናውቲ ሓዊሱ ናብ ግምባር ክሳብ ምዝማት ዝበፅሐ ተሳትፎ ንኽገብሩ ፀዊዖም።

እቲ ፓርቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ ወራር ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ 250 ሺሕ ብር ሓገዝ ምግባሩ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ተዛሪቦም።

ህልውና ሃገር ንምሕላው ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ፕሮፌሰር ብርሃኑ፥ ብመንፅር እዚ ኩሉ ዜጋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ህልውና ኢትዮጵያ ንምሕላው ብሓባር ደው ክብል ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.