Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ እኹል ምኽንያ ምምሃር ጠጠው ዘበሉ ዓለም ለኸ ኣቢያተ ትምህርቲ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓውዲ ትምህርቲ ዒላማ ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ወይዘሮ ሰላማዊት ካሳ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ወይዘሮ ሰላማዊት ኣብ መግለፂአን፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዓውዲ ትምህርቲ ዒላማ ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾ ብምፅራሕ፤ ዝተወሰና ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ምዕፃው ዝንባለ ከምዘርአያ ገሊፀን።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ 7 ማሕበረብ ሓቆፍን 19 ዓለም ለኸ ኣቢያተ ትምህርቲን ብዘይ እኹል ምኽንያት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጠጠው ከምዘበላ ተዛሪበን፡፡

ብመሰረት እዚ ሚኒስቴር ትምህርቲ ን3 ዓለም ለኸ ኣቢያተ ትምህርቲ ዕላዊ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ከምዝፀሓ ገሊፀን።

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ብምሃብ ጦር መሳርሒታት ምምዝጋቦም ዝሓበራ ወይዘሮ ሰላማዊት፥ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዘይሕጋዊ ጦር መሳርሒታት ከምዝተትሓዙ ኣብሪሀን።

ኣብ ቀረባ እዋን ምዝገባ መሳርሒታት ኮሙዩኒኬሽን ተጀሚሩ ኣሎ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ወታደራዊ መሳርሒ ኣለሻ፣ ኮምፓስ፣ መነፅራት ዓውደ ኲናት፣ መራኸቢ ራዲዮ፣ ድሮን፣ ኔትዎርክ ሳትላይትን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ከመዝግቡ ኣለዎም ኢለን።

ዜጋታት እዋናዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብናፃ መስመር ስልኪ 933 ብምድዋል ሓበሬታ ንኽቡ እውን ፃዒት ኣቕሪበን።

ብኣፈወርቅ እያዩ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.