Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ዝውሰድ መድሓት ሕማም ዓሶ ንዝተፈላለዩ ፀገማት የቃልዕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓኪም ዘይተኣዘዘ መድሓኒት ሕማም ዓሶ ምውሳድ ዝተፈላለዩ ጉድኣታት ከምዘስዕብ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልፁ፡፡

ሕማም ዓሶ ዘምፅእ ፅግዕተኛ ዓሌት ህዋስ እንተይተፈለየን መምርሒ ሕክምና ኣብ ዘይብሉን መድሓኒት ሕማም ዓሶ ምጥቃም÷ ምስ መጠን መድሓኒት፣ እዋን ኣወሳስዳን ዓይነትን ተተሓሒዙ ፀገም ዘስዕብ ካብቲ መድሓኒት ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ምርካብ ከምዘይከኣል እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ፡፡

ብሓፈሻ መድሓኒታት ፀረ-ዓሶ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ምጥቃም÷ እቲ መድሓኒት ዝፃወሩ ፅግዕተኛ ዓሌታት ሕማም ዓሶ ክፍጠሩ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ዝመፅኡ ሕማማት ንምሕካም ህፁፅ ኩነታት ዘስዕብ ኢዩ፡፡

ካብ ትእዛዝ ሓኪም ወፃእ ዝውሰዱ መድሓኒታት ሕማም ዓሶ እቲ ውልቀሰብ ምስ ዝወስዶም ካልኦት መድሓኒታት ኣሉታዊ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ምግላፁ ሓበሬታ በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

እዚ ድማ ጎዳኢ ጎድናዊ ጉድኣት ንኽፍጠር ወይ እውን ውፅኢታውነት ሕክምና ንኽንኪ ስለዝገብር፤ ሕማም ዓሶ ዘለዎ ሰብ ትእዛዝ ሓኪም ጥራሕ ሕክምንኡ ክከታተል ከምዝግባእ ይምከር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.