Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ ፓስፖርት ዘዳልዉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቢሮ   ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራልን ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕ፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ፓስፖርት ዘዳልዉ ዝነበሩ 10 ሰራሕተኛታት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

 

እቶም ተጠርጠርቲ ሕጋዊ ከይዲ ኣወሃህባ ፓስፖርት ንጎኒ ብምግዳፍ፣ ሰብ ዋና ፓስፖርት ሙሉእ ሓበሬታ ብምቕያርን ኣብ ሓደ ማእኸል ክዛዘም ዝነበረ ኣገልግሎት ናብ ዝተፈላለዩ ቅርንጫፋት ብምዝዋርን ገበን ከምዝተፈፀሙ ዳይሬክተር ሙስናን ገበንን ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኮማንደር ታደሰ አያሌው ገሊፆም።

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ደለልቲ ብዝፈጠርዎ ምትእስሳር ብገበን ዝድለዩ ውልቀ ሰባትን ዜጋታት ወፃኢ ዓዲን ፓስፖርት ንክረኽቡ ከምዝገበሩ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.