ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ክወፅእ ዝነበረ ግምታዊ ዋጋ ልዕሊ 33 ሚሊየን ዝኸውን ወርቅን ገንዘብ ካልኦት ሃገራትን ተታሒዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ክወፅእ ዝነበረ ግምታዊ ዋግኡ ልዕሊ 33 ሚሊየን ዝኸውን ወርቅን ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምዝሓዘ ኮሚሽን ጉሙሩክ ኣፍሊጡ።
እቲ ግምታዊ ዋግኦም 33 ሚሊየንን 842 ሽሕን 600 ብር ዝኾኑ ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ወርቅን፥ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንምውፃእ ኣብ ምንቅስቓስ እናሃለወ ኢዩ ኣብ ቤት ዕዮ ጉምሩክ ጨንፈር ድሬዳዋ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ተባሂሉ።
መካየዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ኣይተ ደመላሽ ተሾመ÷ 6 ነጥቢ 4 ኪሎ ግራም ዝተጠፍጠፈ ወርቂ፣ 182 ሽሕን 665 ዶላር ኣሜሪካ፣ 68 ሽሕን 905 ሪያል ስዑዲ፣ 1 ሽሕን 800 ፓውንድ እንግሊዝ ፣ 5 ሽሕን 530 ዶላር ካናዳን 40 ዲናር ባሕሬን ተታሒዙ ኢሎም።
እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብኮሚሽን ጉሙሩክ፣ ብብሄራዊ ድሕንነትን ፖሊስ እቲ ክልልን ዝተዋደደ ወፍሪ ከምዝተተሓዙ ካብ ኮሚሽን ጉምሩክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም እንትኾን÷ እቲ ገንዘብ ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝተገበረን እቲ ወርቂ ድማ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንምውሳድ ምድላዉ ከምዝተዛዘመን ኣይተ ደመላሽ ኣፍሊጦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።