Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትራገፍ ዝተረኸበ 50 ሺሕ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትራገፍ ዝተረኸበ 50 ሺሕ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ከምዝተትሓዘ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ንግዲ ክልል ሃረሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘይቲ ብታርጋ ቁፅሪ 3- 29490 ኢ.ት በዓል ተጎታቲ ናይ ፅዕነት መኪና ካብ ከተማ ሃረር ናብ ሃማሬሳ ናብ ዝርከብ መኽዘን እንትራገፍ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

መበገሲኡ ካብ ጂቡቲ ብምግባር ኣብቲ ከባቢ ንምክፍፋል ተሓሲቡ ከመዝነበረ ካብቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ድማ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ካብ ሕብረተሰብ ዝተውሃበ ሓበሬታ ምስ ካልኦት ኣኽበርቲ ፀፅታ ብምዃን ብዝተገበረ ክትትል ከምዝተትሓዘ እውን ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.