Fana: At a Speed of Life!

ብዕድል ወይ ብፍቓድ ፈጣሪ ተሪፈ ኣለኹ – ዶናልድ ትራምፕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈተነ ቅትለት ዝተገበረሎም ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪከ ዶናልድ ትራምፕ ብዕድል ወይ ብፍቓድ ፈጣሪ ተሪፈ ኣለኹ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መፃኢ ዓመት ወርሒ ሕዳር ንዝካየድ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ፔንስልቬንያ ጎስጓስ ምርጫ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዘካይዱ ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ ፈተነ ቅትለት ከምዝተፈፀመሎም ይዝከር።

በቲ ፈተነ ጫፍ እዝኖም ብጥይት ተወቒዑ ደም እንትፈሶም ይረአ ዝነበረ እኳ እንተኾነ፥የማናይ ኢዶም ናብ ላዕሊ ሓፍ ብምባል ንሰዓብቶምን ደገፍቶምን ሞራል ከርእዩ ክኢሎም ኢዮም።

እቶም ወዲ 78 ዓመት ነበር ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ህይወቶም በዕድል ወይ ብናይ ፈጣሪ ፍቓድ ከምዝተረፈት ተዛሪቦም።

እዚ ንዕዖም ሕልሚ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም ክብል ዘ ቴሌግራፍ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.