Fana: At a Speed of Life!

 “ብዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ረቂቕ ፀብፃብ ባዶ ፀብፃብ ፖለቲካ ኢዩ”-የሱፍ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዓለም ለኸ ሰብ ሞያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ረቂቕ ፀብፃብ ባዶ ፀብፃብ ፖለቲካ ኢዩ ክብሉ ኣይተ የሱፍ ኢብራሂም ገሊፆም።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኣብንን በዓል ሞያ ዓለም ለኸ ሕጊታትን ኣይተ ዮሱፍ ምስ ፋና ቴሌቪዥን ፕሮግራም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ፃንሒት ገይሮም።

እቲ ረቂቕ ፀብፃብ ኣብ ልዕሊ ህዝበን መንግስቲን ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝተዳለወ ሰነድ መሳርሒ ፖለቲካ ኢዩ ኢሎም።

ኣይተ ዮሱፍ፥ “ክሳብ ሐዚ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ሰብኣዊ መሰል ወፅዮም ኢዮም ይኹን እንበር ኣብ ለዕሊ ኢትዮጵያ ከመዝወፅአ ዓይነት ባዶ ዝተዛብዐን ድኹምን ፀብፃብ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ኢሎም።

እቲ ፀብፃብ፥ ካብ ምርመራ ብልሓት ገለልተኝነትን መምርሒ ዓለም ለኸ ምርመራ ሰብኣዊ መሰላትን ኣንፃር እንትረአ ብትሕዝቶ፣ ኣሰራርሓን ስነ ስርዓትን ዝተፋለሰ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ፀብፃብ ካብ መእተዊኡ ጀሚሩ ገበናት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምንእኣስን ብምሽፋንን ዝተበገሰ ኢዩ ኢሎም።

ቀንዲ ዕላምኡ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ፀገም ዘሎ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድሓን ኢዩ ኢሎም።

ብፌቨን ቢሻውን የሻምበል ምኅረትን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.