Fana: At a Speed of Life!

ብወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ስራሕ ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ሙያን ክህሎትን ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ስራሕ ይገብር ኣሎ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኣኽ ኣብ ክፍላተ ከተማ ኲሓን ዓንደርን ዑደት ኣካይዶም።

ብውልቀን ብማሕበርን ኣብ ዝተጣየሹ ትካላት ኢንተርፕራይዝ መፍረይ ሓፂን መፂንን ኮሌጅ ፖሊ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወልደ ለገሰን  ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ዝዓነውን ዝተጉሓሉን ንብረታት ተዓዚቦም።

ወነንቲ ዑደት ዝተኻየደሎም ትካላት ብሰንኪ እቲ ኲናት ንቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ ልቡናውን ዕንወትን ቁልውላውን ከም ዝተሳጥሑን ናብርኦም ንምጥዋር ኣብ ዝተፀገምሉ ብርኪ ከም ዝበፀሑን ነቶም ዑደተኛታት ኣረዲኦም።

ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኢንተርፕራይዘራት ዝበፀሐ ሓፈሻዊ ዕንወትን ኪሳራን ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምዃን ብናውቲ፣ ብሞያን ስነ ልቡቦናን ዝሕገዝሉ ኩነታት ንምፍጣር ከም ዝስራሕ ኣገንዚበን።

ኣብተን ዕንወት ዘጋጠመን ትካላት ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተበታተኑ ወገናት ዳግም ናብ ስርሖም ዝምለስሉ ባይታ ንምፍጣር ከም ዝስራሕ ድማ ሓቢረን።

“እቲ ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወት ዘፅንዕ ጉጅለ ከም ዘሎ ኮይኑ ብወገና ክፍፀሙ ዝኽእሉ ዕማማት ንምፍፃም ድልዋት ኢና” ድማ ኢሉ እቲ ጉጅለ ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.