Fana: At a Speed of Life!

ብወታደራዊ ሳይንስን ጥበብ ኣመራርሓን ዝሰልጠኑ ሕፁያት መኮንናት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራዊ ኣካዳሚ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርዓያ ብወታደራዊ ሳይንስን ጥበብ ኣመራርሓን ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮንናት ብምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ምክትል ኢታማጁር ሹም ፌዴሪኢ ጀነራል ብርሀኑ ጁላ፥ ተመረቕቲ መኮንናት ምሕላው ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ፍቕሪ ህዝቢን ጅግንነትን ክላበሱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዝባኸኑዋ እዋናት ኣከሓሒሳ ንምኻድ፥ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንምሕላውን ንምክንኻንን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድሉው ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣዛዚ ወታደራዊ ኣካዳሚ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርዓያ ሜጀር ጀነራል ታደስ መኩሪያ ብግደኦም፥ እቶም ተመረቕቲ ንመበል 13 ግዘ ስሩዕ ሕፁያት መኮንንነት ትምህርቲን ስልጠናን ዝወሰዱ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ስልጠና ኣመራርሓን ወታደራዊ ሳይንስን፥ ብዲግሪን ብመዓርግ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲን ዝተመረቑ ከምዝኾኑ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ስነ-ስራዓት ምረቓ፥ ኣመሓዳሪ ከተማ ሆለታ፣ ጀነራል መኮንንናት፣ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ስድራ ቤት ተመረቕቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.