Fana: At a Speed of Life!

ብኽፋል ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት መገዲ ኣስፓልት ኣራራት -ኮተቤ -ካራ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኽፋል ተቛሪፁ ዝነበረ ህንፀት መገዲ ኣስፓልት ኣራራት -ኮተቤ -ካራ ይስራሕ ከምዘሎ በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ህንፀት መገዲ ቅድሚ 3 ዓመት ዝተጀመረ እኳ እንተኾነ ኮተቤ ክሳብ ካራ ዘሎ ካልኣይ መዕራፍ ብሰንኪ ጉድለት ኣፈፃፅማ ኮንትራክተር ደው ከምዝበለ ይፍለጥ።

ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ፥ እቲ መገዲ ብዝተተለመሉ ብዘይምዝዛሙ ኣብ ለዕሊ ነበርቲን ኣሽከርከርቲን የስዕቦ ብዛዕባ ዘሎ መንግልታዕ ገሊፁ ነይሩ።

በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ፀገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጠረ ኮንትራክተር ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ብምውሳድ ብናይ ባዕሉ ሓይሊ ንክህነፅ ወሲኑ ናብ ስራሕ ምእታዉ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ 5 ነጥቢ 9 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ኣብዚ በጀት ዓመት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ክፍቲ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

በማርታ ጌታቸው

ብተወሳኺ እቲ ህንፀት እንትዛዘም ተረባሕነት ማሕበራዊን ኢኮመጨኖሚያዊን ጉዳያት ሕብረተሰብ ከረጋግፅ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.