ብኽነት ኤሌክትሪክ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኽነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምንካይ ዘኽእሉ ተግባራት እናወገነ ምዃኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ብኽነት ሓይሊ ዘጋጥም ቴክኒካዊን ቴክኒካዊ ብዘይኮኑን ምኽንያታት ከምዝኾነ ኣብ ማእኸል ብሄራዊ መቆፃፀሪ ሓይሊ መካየዲ ስራሕ ኣካውንቲንግን ኳሊቲ ኣሹራንስን ኢነርጂ ኣሸናፊ መካ ገሊፆም፡፡
ብዓለም ለኸ መለክዒ ሓፈሻዊ ካብ ዝፈሪ ሓይሊ ካብ 5 ክሳብ 7 ሚኢታዊ ዝኸውን ሓይሊ መተሓላለፊ ስርዓት ክባኽን ከምዝኽእ ል ኣብሪሆም፡፡
እዚ ብኽነት ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ክሳብ መከፋፈሊ ጣቢያ ኣብ ዘሎ ከይዲ ስርዓት መተሓላለፊ ሓይሊ ጥራሕ ዛጋጥም ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ኣብ ስርዓት መከፋፈሊ ሓይሊ ዘሎ ብኽነት ከምዝውስኽ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ እዚ በጀት ዓመት ካብ ዝፈልፈለ 13 ሺሕን 435 ጊጋ ዋት ሰዓት እቲ 913 ጊጋ ዋት ሰዓት ክባኽን ከምዝኸኣለ ኣመልኪቶም።
“ብኽነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሙሉእ ብሙሉእ ክተርፍ ምግባር ኣይከኣልን መጠኑ ምንካይ ኢዩ ዝከኣል” ዝበሉ እቶም መካየዲ ስራሕ÷ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እዚ ብኽነት ንምንካይ ብዙሓት ተግባራት እናወገነ ከመዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ፓወር ፋክተር ኮንትሮል ምትግባር፣ ተኻታታሊ ፅገና ምግባር፣ ምስ ዲዛይን ትራንስፎርመር ዝተተሓሓዙ ፀገማት ምስትኽኻል ዝበሉ ስራሕቲ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ብዮሃንስ ደርበው