Fana: At a Speed of Life!

ብኹሎም ዓውዲታት ዓቕምኻ ምምዕባል መግለፂ ባህሪ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ኢዩ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኹሎም ዓውዲታት ዓቕምኻ ምምዕባል መግለፂ ባህሪ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ  ሪፈራል ሆስፒታል ሓይሊታት ሰራዊት ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ትልሚ ትግበራ ሪፎርም መሰረት ብምግባር ይውግኖም ካብ መንጎ ዘሎ ስራሕቲ ዓውዲ ጥዕና ሓደ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ሓደ ኣብ ቢሸፍቱ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ከምዘኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ሆስፒታል ዓቕሚ ድልውነት ጥዕና እቲ ሰራዊት ክብ የብል ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ሆስፒታል ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ወፃኢ ዓዲ ብምኻድ ዝሕከሙ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንክሕከሙ ዘኽእል ከምዝኾነ ብምግላፀ፥ እዚ ድማ ካብ ሃገር ንምውፃእ ዝኽፈል ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምድሓን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ብኹሎም ዓውዲታት ዓቕምኻ ምምዕባል መግለፂ ባህሪ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.