Fana: At a Speed of Life!

ብኲናት ዝተጎድኡ ሰበኽ ሳግምን ሓረስቶትን መሊስኻ ንምጥያሽ ትልሚ ተታሒዙ ክሰራሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብኲናት ዝተጎድኡ ሰበኽ ሳግምን ሓረስቶትን መሊስኻ ንምጥያሽ ትልሚ ተታሒዙ ክሰራሕ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ኣታሓሳሲቡ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ጭፍራ ኣግማል፣ ኣጣል፣ መድሓኒታት እንስሳ፣ መቀናባበሪ ማሽናት መኖን ዝራእቲ ሓረስቶትን ከምዝዓነውን ከምዝተጉሓሉን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።

እቶም ኣርባሕቲ እንስሳ ኣብ ድኽነት ንክኣቱ ዝገበሮ ፅዕንቶ እቲ ወራሪ ጉጅለ ንምምካት ብሕበረትን ብምትሕግጋዝን÷ መሊስኻ ንምጥያሽ ስራሕ ትልሚ ተታሒዙ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ምኽትል ኣካቢ ቆዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ሃሙድ ጋኣስ ተዛሪቦም።

ትኽክለኛ ሓበሬታ ብምእካብ ንዝተጎድኡ ኣርባሕቲ እንስሳን ሓረስቶትን ብቕልጡፍ ንምብፃሕን ናብ ንቡር መነባብርኦም ክምለሱ ብሕብረት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ÷ እቲ ክልል ብውሕጅ፣ ብኣንበጣን ብኲናትን ዝተጎድአ ምዃኑን እዚ ፀገም ንምምካት ድማ ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ብኲናት ንዝተጎድኡ ኣርባሕቲ እንስሳን ሓረስቶትን መሊስኻ ንምጥያሽ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

እቲ ቆዋሚ ኮሚቴ ዝሃቦ ሓሳብ ኣብ ቀፃሊ ከም እታወት ብምውሳድን ኣብ ትልሚ  ብምእታውን ከምዝሰርሕ ምግላፁ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.