Fana: At a Speed of Life!

ብኲናት ዝተሃሰያ ከተማታት ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ብትኹረት ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ብኲናት ዝተሃሰያ ከተማታት ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ብትኹረት ከምዝስራሕ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

ብኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት ኩነታት ምልማዕ መፅለሊ ኣባይቲ ብዝምልከት ምስ ዩ ኤን ሃቢታትን መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ሓባር መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብ ቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ምምሕዳር ምልማዕ መንበሪ ኣባይቲ ኣይተ ታደሰ ከበበ፥ ብኲናት ንዝተሃሰያ ከተማታት ብዘላቕነት እግሪ ንምትካል ብዝተዋደደ መልክዑ ደገፍ ምግባር ረብሕኡ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብምኽኒያት ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታትን ደረጃ ጉድኣቶምን ብምፍላይ ካብቲ ኲናት ናፃ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ብዘላቕነትን ብዝሓሸ ኩነታትን ንምስራሕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ግቡእ ደገፍ ምግባር ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.