ብኮንትሮባንድ ክሰኣን ዝነበረ ልዕሊ 107 ቢሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት ብምጭብርባር ንግዲን ኮንትሮባንድ መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ ልዐሊ 107 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ኣካይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኮሚሽን ጉምኽ ብኹሎም ዓውዲታት ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተሓቢሩ።
ብፍላይ ኮንትሮባንድን ምጭብርባር ንግዲን ኣብ ምክልኻል ዘዕብ ውፅት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት ብምጭብርባር ንግዲን ኮንትሮባንድ መንግስቲ ክስእኖ ዝነበረ ልዐሊ 107 ነጥቢ 24 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡