Fana: At a Speed of Life!

ብኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ዝተመርሐ ልኡኽ ስራሕቲ ፖሊስ ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬትስ ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴሪኢ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣቡዳቢ ተረኺቡ ስራሕቲ ፖሊስ ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬትስ ተዓዚቡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ እንትበፅሕ ብሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኢንስፔክተር ጀነራልን እዋናዊ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ትካል ፖሊስን ሜጀር ጀነራል አህመድ ናሲር ኣል-ረኢሲ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡

እቲ ልኡኽ÷ ምስ ሜጀር ጀነራል አህመድ ናሲር አል-ረኢሲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ዓቕሚ ንምጥንኻር ምስ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ህንፀፅ ዓቕሚ ኣካዳሚ ቨርቹዋል ኢንተርፖል ስልጠና ዝወሃበሉ ኩነታት ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ዶብ ዘለል ጉዳያት ገበን ብፍላይ ሃፍቲ ሃገር ዘሪፎም ናብ ወፃኢ ሃገር ዝሓብኡ ኣካላት ብሓባር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም እውን ተመያይቶም፡፡

እንዲሁም በቀጣይ በሁለትዮሽ ግንኙነትና ትብብር የሁለቱን ሀገራት የፖሊስ ተቋማት ስትራቴጂካዊ አጋርነት ወደ ላቀ ደረጃ ለማሳደግ መወያየታቸው ነው የተገለጸው

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ትካላት ፖሊስ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.